ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“እቲ ለውጢ ናይ ዶብ ውሳነ ምቕባልን ዘይምቕባልን ዘይኮነ፡ምልክት ምብቃዕ ናይ ዝሓለፈ መዋእል‘ዩ” ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ምዕባለን ምቕባል ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን፡ውጽኢት ናይ ሳልሳይ መዋእል ዝበሃል ድሕሪ ምውዳእ ዝሑል ኵናትን ናጽነት ኤርትራን ዝተፈጥረ ዞባዊ ቅልውላዋት መኸተመታ ከምዝኾነን እዚ ሓድሽ ለውጢ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንጻግ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ዝዘርግ፡ሰላም ዝኸልእን ኣካይዳ ዘይምቕባልን ውጽኢት ከምዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀዳም ምሸት ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ለውጢ መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ካልእ መዋእል ከምዝኾነን፡ትግባረ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንበይኑ ተነጺሉ ዝርአ ጉዳይ ዘይኮነስ ምስ ናይ ጎደቦ ሃገራት ሰላም ተኣሳስሲሩ ዝኸይድ ከምዝኾነ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG