ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስክንድር ነጋ ካብ ማእሰርቱ ተፈቲሑ


ፋይል
ፋይል

ጋዜጠኛን መስራቲን ባልደራስ ሓቀኛ ደሞክራሲ ዝተሰምየ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ እስክንድ ነጋ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዓርቢ ድሕሪ ምእሳሩ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከም ዝተፈትሐ፡ ንምንጭታት እቲ ሰልፊ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

ቅድሚ ማእሰርቱ ዝዀነ ክሲ ከም ዘይነበሮን ኣብ መዝገብ ተደለይቲ’ውን ዘይምጽናሑን ዝገለጸ ሰልፊ ባልደራስ፡ እቲ ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ባህርዳር ተኣሲሩ ዝነበረ እስክንድር፡ ብዘይ ክሲ ምፍታሑ ኣመልኪቱ።

ብተደጋጋሚ እዋን ዝተኣስረ እስክንድር ነጋ፡ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ማእሰርቲ፡ ኣብ ጥሪ 2022 ምሕረት ተገይሩሉ ከም ዝተፈትሐ ይዝከር። ምኽንያት መእሰሪኡ ምስ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ኣብ መፋርቕ 2020 ብዝተወልዐ ናዕብታት ምዃኑ ይንገር።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ 2021 ኣብ ዝተገብረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ባልደራስ ሓቀኛ ደሞክራሲ ሓንቲ መንበር’ውን ትዅን ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG