ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል: ግብረመልሲ ናብታ ሃገር ዝተወንጨፈ ሮኬታት ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ሊባኖስ ምክያዳ ተገሊጹ


ኣብ ኪርያት ዝተባህለ ቦታ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ዝተወንጨፈ ሮኬት ዘስዓቦ ባርዕ
ኣብ ኪርያት ዝተባህለ ቦታ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ዝተወንጨፈ ሮኬት ዘስዓቦ ባርዕ

እስራኤል ኣብ ልዕሊኣ ንዝተፈፀመ ናይ ተወንጫፊ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘይተለመደ ደብዳብ ነፈርቲ ሎሚ ሓሙስ ብዝለዓለ ምቕፃላ ሰበስልጣን ሊባኖስ ገሊፆም።

ወታሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነፈርቱ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ተወንጨፍቲ ንዝተተኮሱሎም ቦታታትን ንእስራኤል ንምጥቓዕ ዝተጠቐሙሎም ዒላማታትን ደብዲበን ኣለዋ ኢሉ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝተፈፀመ ደብዳብ ንሊባኖስ ብምኽሳስ ንእስራኤላዊያን ስቪላትን ልኡላውነት እስራኤልን ንዝጎድእ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እስራኤልን ናይ ሊባኖስ ናዕበኛታት ጉጅለ ሂዝቦላህን ኣብ 2006 ንሓደ ወርሒ ዝጸንሓ ደማዊ ኵናት ኣካይዶም በቲ ውግእ መብዛሕቲኦም ስቪላት ዝኾኑ 1,200 ሊባኖሳዊያንን መብዛሕቲኦም ወታሃደራት ዝኾኑ 160 እስራኤላዊያን ምሟቶም ይዝከር።እቲ ኵናት ካብቲ ጉጅለ ንዝመፅእ ተወንጫፊ ኣየፍሸለን። ሰበስልጣን እስራኤል ሂዝቦላህ ንዝኾነ ይኹን ክፋል እስራኤል ከጥቅዕ ዝኽእል ዝተመሓየሸ ሚሳይል ወኒሉ ኣሎ ክብሉ'ውን ይገልፁ ኣለው።

XS
SM
MD
LG