ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል፡ ኣብ ሶርያ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ 1 ሰብ ሞይቱ፡2 ቆሲሎም


እስራኤል ኣብ ልዕሊ መደብ ሓይሊ ኣየር ሶሪያ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ንሓደ ወታሃደር ምሟቱ፣ንካልኦት ክልተ ምቑሳሎምን ናይ ኣፅዋር መኽዘን ምዕናውን መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሶሪያ ገሊፀን።

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሶሪያ ኣብ ዝርከብ ጎቦትታ ጎላን ደብዳብ ነፈርቲ ድሕሪ ምፍፃማ ድሕሪ ሰዓታት T4 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መደበር ሓይሊ ኣየር ሶሪያ መጥቓዕቲ ምፍጻማ ተገሊጹ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሃገሮም ንዝመፅእ ወራር ብሓይሊ ከምትምክት ትማሊ ሰንበት ገሊፆም ነይሮም።

ንናይ ሶሪያ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ትካል ከምዝገለፆ ኣብ ጎቦታት ጎላን ብዝተፈፅመ ደብዳብ ነፈርቲ ሓይልታት ሶሪያን ወፃኢ ሃገራትን ሓዊሱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG