ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ን40 ዓመታት ዝተኣስረ ፍልስጤማዊ ፈቲሓ


እስራኤል ን40 ዓመታት ዝተኣስረ ፍልስጤማዊ ሎሚ 5 ጥሪ 2023 ፈቲሓ።

ካሪም ዮኑስ ንሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ብምጭዋይን ብምቕታልን ን40 ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ`ዩ ተፈቲሑ። ንሱ ካብ መንጎ ዝበዝሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ፍልስጥኤማውያን`ዩ። ንሱ ኣብ ዝወጻሉ እዋን “ዝሓለፈ 40 ዓመታት ብዙሕ ታሪኽ ዘለዎ`ዩ፡ ታሪኽ እሱራት`ዩ፡ ነብስወከፍ ታሪኽ፡ ታሪኽ ሓንቲ ሃገር`ዩ"፡ ድሕሪ ምባል ንዕላማ ፍልስጤማውያን ንምዕዋት ተወሳኺ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ኢና ክብል ተዛሪቡ።

ቅድሚ ምፍትሑ ዝተዛረበ ሚንስተር ውሽጢ ሃገር እስራኤል ኣርየህ ደሪ፡ ንኻልኦት ሽበራዊ ተግባራት ዝፍጽሙ ትምህርቲ መታን ክኸውን፡ ካሪም ዮኑስ ዜግነቱ ክቕንጠጥ ኣለዎ ኢሉ ኔሩ።

ሎሚ ሓሙስ ድማ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንሓደ መንእሰይ ተኩሶም ከም ዝቐተሉ ሰበ-ስልጣን ፍልስጤማውያን ይገልጹ`ለዉ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብወገኑ ናብኡ ስለ ዝተተኮሰ ግብረ መልሲ ምሃቡ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG