ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል:ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ነናብ ሃገሮም ክትመልስ ዝሓንጸጸቶ መደብ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ


እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ነናብ ሃገሮም ክትመልስ ዝሓንጸጸቶ መደብ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ነናብ ሃገሮም ክትመልስ ዝሓንጸጸቶ መደብ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ ይኹን ደአ እምበር ነቶም ኣስታት 40,000 ዝኾኑ ኣብ ሃገራ ዘለው ስደተኛታት ናይ ስደተኛ መሰል ክትህብ’ውን ፍቓደኛ ከምዘይኾነት ኣፍሊጣ’ላ።

ሚካኤል ኣፈወርቂ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት መጀመርያ እስራኤል ዝኣተወሉ ጊዜ ክዝክር ከሎ ገንዘብ ስለዘይነበሮ ኣብ ጎደናታት ቴልኣቪቭ ይድቅስ ምንባሩ ይገልጽ።

ሎሚ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣቦ ክልተ ቆልዑ ኮይኑ ብቋንቋ ሄብሩ ርእይትኡ ከምዚ ክብል ይገልጽ። “ ኣብዚ ሕጂ እዋን መንበሪ ፍቓድ የብለይን። ምንም ዓይነት መለለይ የብለይ። ከምዚ ክንርእዮ ዘይከአለና ኣየር ኮይነ ኣለኹ። ካብ ኢደይ ናብ ኣፈይ ዝኾነ አታዊ ኣሎኒ። ጽባሕ እንታይ ከምዝመጽእ ኣይፈልጥን። ደቐይ’ውን ዝኾነ መለለይ የብሎምን።”

ሰራሕተኛታት ማእከል ስልጠና ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ምስ ብዙሓት ኣፍሪቃዊያን ሓተቲ ዑቕባ ዝሰርሑ ክኮኑ ከለው ፡ እዚ ዘይርጉጽ ኩነታት ኣብቲ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላው ይሰማምዑ።

ካልእ ሶማልያዊት ስደተኛ “ ብዛዕባ ኩነታትና ንፈልጦ ነገር የለን። ኣብዚ ክንጸንሕ ኢና ወይስ ነናብ ሃገርና ክንምለስ ኢና። ህይወት ናበይ ከምዝወስደና ኣይንፈልጥን ግን ኸአ ክንፈልጥ እዩ ዝግበአና” ትብል።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣስታት 40,000 ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ክሰርሑ ዘኽእል ቪዛ ኣለዎም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር እዞም ስደተኛታት ደቆም ብነጻ ከምህሩ ዝክእልሉ መስርሕ ክዳለው ውሳነ ኣሕሊፉ ይኹን ደአ እምበር ከም ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝአመሰሉ ካልኦት ኣገልግሎት ክረኽቡ ግን ፍቓድ የብሎምን።

ብተወሳኺ ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሕጊ እታ ሃገር ስደተኛታት ካብ ደሞዞም 20 ሚእታዊት ተቆሪጹ ኣብ ፍሉይ ባንክ ክውህለል እሞ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝኸድሉ እዋን ክምለሶም ይብል።

ኖሃ ኩፍማን ካብ ንሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ዝሕለቕ ትካል ሆትላይ ፎር ረፉጂ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ትብል።

“እቲ ጾር ከቢድዎም እዩ ዘሎ፡ ገንዘብ ከቐምጡ ኣይከአሉን ዋላ’ሓደ የብሎምን።”

ገለ ስደተኛታት ድማ ኣስራሕቶም ካብ ደሞዞም ከምዝቆርጽሎም ግን ኸአ እቲ ገንዘብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ባንክ ይውህለል ከምዘየለ ይገልጹ ።

ሎላ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ትደልይ እያ ግን መዓስ ግን ኣይትፈልጥን።

“ገንዘበይ ክምለሰለይ ይደልይ ምክንያቱ ካብ ደሞዘይ ዝተቖርጸ እዩ። ካባይ ዝሰረቕዎ ገንዘብ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ ኣነ ስደተኛ እየ ወደይ ግን ከምዚ ናተይ ህይወት ከሕልፍ ኣይደልይን። ሕልምታቱ ክውን ዝገብረሉ ሃገር ክሕልዎ ይደልይ።”

XS
SM
MD
LG