ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንቓዛ ንምእታው ወታሃደራዊ ንድፊ ተዳልው


ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እስራኤል ናብ ቓዛ ንምእታው ዝሓዝዎ ንድፊ ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣዘዝቲ ምክልኻል ሃገር ከምዘቕርቡ ወሃቢ ቓል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። ንሱ ኣስዒቡ እቲ ናይ ምእታው መደብ ብእግረኛ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ`ሎ። ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ናብ ቓዛ ተጸጊዐን ኣለዋ።

እቲ ንቓዛ ንምውራር ዝካየድ ዘሎ ምሽብሻብ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ድሕሪ 2014 ንመጀመርያ ግዜ ክኸውን`ዩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤልን ተዋጋእቲ ሓማስን ብሮኬታት ምድርባይ ቀጺሎም ኣለዉ። ሓደ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሓማስ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ`ዩ: ኣብ ከተማታት እስራኤል`ውን ዕግርግር ቀጺሉ`ሎ: ክሳብ 400 ዝኾኑ ተኣሲሮም ኣለዉ።

በቲ ምልውዋጥ ሮኬታት ቁጽሪ ኣብ ቓዛ ዝሞቱ 83 ምብጽሖም ይግለጽ። እስራኤል ብወገና ሸውዓተ እስራኤላውያን ሞይቶሙኒ ትብል።

XS
SM
MD
LG