ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል መጥቓዕታ ብምቕጻል አጋር ሰራዊት ናብ ዶባት ወሽመጥ ቃዛ ምጽጋዓ ተገሊጹ


እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማዊያን ዕጡቓት ትወስዶ ዘላ መጥቓዕቲ ብምሕያል ሎሚ ዓርቢ አጋር ሰራዊት ናብ ዶብ ቃዛ ምጽግዓ ተፈሊጡ'ሎ። እቲ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ግጭት ናብ ምሉእ ኵናት ከይምዕብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ሎሚ ዓርቢ ዕጡቓት ጉጅለ ሓማስ ናብ እስራኤል ሮኬት ኣወንጪፎም ኣለው። እስራኤል ብወገና ፍልስጤማዊያን ንዝተቖፃፀሩዎ ወሽመጥ ጋዛ ብከቢድ ብረትን ነፈርትን ደብዲባ ኣላ።

ናይ እስራኤል ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል እስራኤል ኣብቲ መጥቓዕቲ 160 ነፈርቲ ውግእን ሰለስተ ብርጌድ አጋር ወታሃደራትን ታንክታቶምን ተጠቒማ ኣላ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ወኪላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ምምሕዳር ፍልስጤምን እስራኤልን ህውከት ኣብ ዝሓየለሉ ን2 ሚሊዮን ነበርቲ ቃዛ ሓገዝ ንምቕራብ ከምዝተፀገሙ ይገልፁ ኣለው። ሚኒስትር ጥዕና ቃዛ 31 ቆልዑት ሓዊሱ 119 ፍልስጤማዊያን ከምዝተቐተሉን ካልኦት 830 ድማ ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ እስራኤል ድማ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቆልዓን ሓደ ወታሃደርን ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት እቲ ግጭት ይካየደሎም ኣብ ዘሎ ኣብ ክልቲኡ ፍልስጤምን እስራኤልን ይጉድኡ ብዘለው ብዝሒ ሰባት ከምዝተሓሳሰቦም ገሊፆም።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሓይሉ ዝቐፀለ ውግእ ኣብ ናይ ፍልስጤም ቃዛ ረድኤት ንምቕራብ ከምዝተፀገመ ሓቢሩ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዛዕባ ኩነታት እስራኤልን ቃዛን ንምዝታይ ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ክእከብ ትፅቢት ይግበር።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣሜሪካ እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ብዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማሲያዊ ፅምዶ ከምእትቕፅለሉ ገሊፀን።

XS
SM
MD
LG