ሓደ ሰሙን ድሕሪ መፍትሒ ዘይረኸበ ምርጫ እስራኤል፡ እስራኤላዊያን መን ቀዳማይ ሚንስትር’ታ ሃገር ኮይኑ ከምተመርጸ ገና ኣይፈለጡን ዘለው። ፕረዚደንት’ታ ሃገር ራቨን ረቭሊን ምስ ኹሎም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ፓርቲታት ከካይዶ ዝጸንሓ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ዛዚሙ ንቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁን ተቐናቓኒኡ በኒ ጋንታዝ ሕብረት ክምስርቱ ክሓቱ’ዮም።
ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ 55 አባላት ፓርላማ’ታ ሃገር ደገፎም ንነታንያሁ ክህቡ ከለው 54 ድማ ንጋንተዝ ሂቦም ኣለው። እቲ ካብ 1992 ጀሚሩ ከም አካል ዘካየዱ ተቓውሞ ንናይ ቀ/ሚ መዝነት ዝወዳደር ወልቀሰብ ድምጺ ክህብ ዘይጸንሓ ፓርቲ ዝርዝር ሕብረት ዓረብ’ውን 10 ካብ አባላቱ ንጋንተዝ ከምዝድግፉ ገሊጾም ኣለው። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣቦ መንበር ዝርዝር ሕብረት ዓረብ ኣይማን ኦዳህ 10 ካብ 13 አባላት’ቲ ሕብረት በኒ ጋንተዝ ተወዳዳሪ ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ክኾኑ ምርቑሖም ይገልጹ።
ንሶም ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ጉዳይ ንነታንያሁ ካብ መዝነቶም ምእላይ’ዩ ኢሎም።
ይኹን ደአ እምበር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ንዝበዝሓ ድምጺ ሕብረት ማለት 61 ካብቲ 120 መናብር ዘለዎ ብ’ክነሳት’ ዝፍለጥ ፓርላማ’ታ ሃገር ንምምላእ ኣይከአሉን፡ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ’ውን ነታንያሁ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዜጋታት’ታ ሃገር መጥቓዕቶም ቀጺሉ’ሎ።
ንሶም ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊያን ዝካየድ መጥቓዕቲ ዘሞጉሱ ዝተመስረተ ናይ ውሑዳን መንግስቲ ወይ’ውን ሰፊሕ ናይ ሕብረት መንግስቲ ክምስረት’ዩ ኢሎም።
ናይ ሕብረት መንግስቲ ማለት ድማ ነታንያሁን ጋንተዝን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ብዘይ ተሳትፎ እተን ካልኦት ነአሽቱ ፓርቲታት ዝበዝሓ ድምጺ ብምሓዝ ናይ ሓባር መንግስቲ ምምስራት ማለት እዩ።
ፕረዚደንት’ታ ራቭሊን ብወገኖም እቲ ዝደልዮ ውጽኢት ናይ ሕብረት መንግስቲ ምኳኑ ብንጹር ሓቢሮም ኣለው። እንተኾነ ነታንያሁ ብዝቀረብሎም ዘሎ ክሲ ብልሽውና ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ ጋንተዝ ብወገኖም ንነታንያሁ ዝሓቖፈ መንግስቲ ንምሕባር ፍቓደኛ ከምዘይኾኑ ይገልጹ ኣለው።
እቲ ውሳነ ብሩስያዊያን ስደተኛታት ዝውክል 8 መናብር ዘለዎ ፓርቲ ዝወደቐ ክከውን ከሎ መራሒ’ቲ ፓርቲ ግን ናይ ሕብረት መንግስቲ ከምዝድግፍ ገሊጹ’ሎ።
ክልቲኦም ተወዳደርቲ ነታንያሁን ጋንተዝን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናይ ሕብረት መንግስቲ ምምስራት እንተዘይክኢሎም እስራኤል ሳልሳይ ዙር ምርጫ ከተኻይድ ምዃና ተፈሊጡ’ሎ፡ እዚ ድማ ብዙሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ከጋጥም ዘይደልይዎ ፍጻመ’ዩ ምክንያቶም ድማ ብዙሕ ለውጢ ክህልው ኣይክእልን ብዝብል’ዩ።