ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ሓደ ሚልየን ክታበት ኮቪድ19 ንሃገራት ኣፍሪቃ ከም ትልግስ ኣፍሊጣ


ክታበት ኮቪድ19
ክታበት ኮቪድ19

እስራኤል ሓደ ሚልየን ክታበት ኮቪድ19 ንሃገራት ኣፍሪቃ ከም ትልግስ ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክታበት ኣስትራዘኒካ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰሙናት ብመንገዲ ኮቫክስ ንኣፍሪቃ ከምዝውሃብ ብምሕባር እቲ ልግሲ ኣካል ናይቲ እስራኤል ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምሕያል ትገብሮ ጻዕሪ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

እስራኤል ምስ ኬንያ: ኡጋንዳን ሩዋንዳን ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋ ይንገር፡ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ምስ ሱዳን ምሕዝነት መስሪታ`ያ።

XS
SM
MD
LG