ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ሩስያ ቀጻዒ ስጕምታት ይእምም


ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ለይን
ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ለይን

ናብ ዩክሬን ዝውሕዝ ሓገዝ ንምብታኽ እትሰርሕ ዘላ ሩስያ ዝያዳ ንምቕጻዕ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ቀጻዒ ስጕምታት ይእምም ኣሎ። ፕረዚደንት እቲ ሕብረት ኡርሱላ ቫን ደር ለይን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ እቲ ሕብረት ካብ ሩስያ ዝገዝኦ ነዳዲ ኣብ 2022 ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ኣሚማ።

ከም እማመ እታ ፕረዚደንት፡ ምቍራጽ እትዋት ነዳዲ ካብ ሩስያ ክልተ ገጽ ክህሉዎ’ዩ። እቲ መደብ ድማ ንዓቕሚ ሩስያ ኣድኪሙ ነቲ ሕብረት’ውን ካልእ ኣማራጺታት ጸዓት ዘናድየሉ ኣጋጣሚ ከም ዝፈጥረሉ ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ሓቢራ።

ንሳ ካልእ ዘቕረበቶ እማመ ንዝዓበየ ባንክ ሩስያ-- Sberbank--ካብ ዓለማዊ ስግግር ባንክ (SWIFT) ምእላይ’ውን ይርከቦ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኵለን ሃገራት እቲ ሕብረት ብምሉእ ድምጺ ክድግፈኦ የድሊ።

XS
SM
MD
LG