ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምርጫ ዚምባብወ ቅድመ-ኵነታት የቕርብ


ዜጋታት ዚምባብወ ነቲ ዝተነብረ እገዳ ብምቅዋም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ዝተወስደ ፋይል
ዜጋታት ዚምባብወ ነቲ ዝተነብረ እገዳ ብምቅዋም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ዝተወስደ ፋይል

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሃገራዊ ምርጫ 2002 ተራእዩ ብዝበሎ ስርቂ ድምጺ ኣብ ልዕሊ ዚምባብወ ኣንቢሩዋ ንዝጸንሐ ቍጠባዊ ማዕቀብ ቅድሚ ምርጫ 2023 ክግበር ዘለዎ ምምሕያሽ ኣቐሚጡ ኣሎ። ከም ተዓዘብቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ምርጫ ሃጓፋት ክርአ ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ብምምልካት፡ እቲ ን20 ዓመታት ጸኒዑ ዝጸንሐ ቍጠባዊ እገዳ ክለዓል እንተዀይኑ 23 ነጥታት ዝሓዘ ለበዋታት ኣቕሪቡ ኣሎ። እቶም ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝቐርቡ ዘለዉ ቅድመ-ኵነታት ንምልዓል እገዳ ኣሳታፊን ናጻን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ምዃኖም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ዚምባብወ ሓቢሩ'ሎ።

ሰብ-መዚ ዚምባብወ፡ ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ቀሪቡሎም ዘሎ ቅድመ-ኵነታት ምላሽ ኣይሃቡን።

XS
SM
MD
LG