ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2022፡ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብኣዝዩ ብዙሕ መጠን ዋሕዚ ስደተኛታት ዓቕለን ኣጽቢበን’የን። እዚ ዝያዳ ምስ ኲናት ዩክሬን ዝተጋደደ ደኣ’ይዅን እምበር ሩስያ ሕጂ’ውን ካልእ ማዕበል ስደተኛታት ንምፍጣር ትምድብ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት 330-ሽሕ እዋን ወግዓዊ መእተዊ ወረቐት ብዘይብሎም ስደተኛታት ተጣሒሱ። ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር ከሎ፡ እቲ ኣሃዝ ብ64% ምውሳኹ ፍሮንቴክስ (Frontex) ዝተባህለ ኣብቲ ጉዳይ ዝነጥፍ ትካል ኤውሮጳዊ ሕብረት የምልክት። እዚ ኣሃዝ’ዚ ነቶም ሚልዮናት ዩክሬናውያን’ውን ኣየጠቓልልን’ዩ።
ሶርያውያን፡ ኣፍጋናዉን ቱኒዛውያንን ብድምሩ ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሰገሩ ስደተኛታት’ዮም። ብዘይካ እዘን ሰለስተ ሃገራት ካብ ግብጺ፡ ባንግላደሽን ናይጀሪያን’ውን ብዙሓት ስደተኛታት ምንባሮም መዛግብቲ ፍሮንቴክስ የረድኡ።
ካብ ትካል ዓለምለኸ ማእከል ስደተኛታትን ጉዳያት ፖሊሲን ዝዀነ ማርቲን ሆፍማን፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ ብሕጂ ክህሉ ዝኽእል ማዕበል ስደተኛታት’ውን ክገልጽ እንከሎ፡ ጸጥታዊን ቍጠባዊን ኵነታት እተን ሃገራት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበሮ መሊሱ ከም ዝኸፍአ ይዛረብ።
መስመራት ምዕራባዊ ባልካንን ናብ ኢጣልያ ዘእቱ ማእከላይ ባሕሪን እቶም ቀንዲ መገድታት ናይ ሓደስቲ መጻእቲ ኰይነን ተመዝጊበን ኣለዋ።
መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓተቲ ዑቕባ ኣሸጋሪ ዝዀነ ሕጊ የሕሊፉ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቲ ሕግታት ንግብረ-ሰናያት ትካላት ከም ሓካይም ብዘይዶብን ካልኦትን፡ ኣብ ባሕሪ ንዝተገፍዑ ስደተኛታት ኣድሒነን ናብ ኢጣልያ ከየምጽኣ ዝኽልክል’ዩ።
ግሪኽ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንስደተኛታት ከድሕኑ ዝሰርሑ ትካላት ቀጻዒ ስጕምቲ ትወስድ ኣላ። ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኲናት ንፖለቲካዊ ኣረኣእያ ሓያሎ ዜጋታት ልቡ ከም ዘትረሮ ፖለቲካዊ ተንታኒት ካሚኖ ሞርተራ-ማርቲነዝ ትገልጽ፤“ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ሰፊኑ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ‘ካብ ጎረቤትና ዝመጽኡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣለዉ። ስለዚ ብዛዕባ ካብ ርሑቕ ንዝመጽኡ ዘሻቕል የብልናን፡ ጉዳይና’ውን ኣይኰነን፡’ ዝብል’ዩ።”
ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ንደሓር 13 ሚልዮን ዩክሬናውያን ናብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ተሰዲዶም ኣለዉ።
ካብ ትካል ዓለምለኸ ማእከል ስደተኛታትን ጉዳያት ፖሊሲን ዝዀነ ማርቲን ሆፍማን ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቱ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል፤“ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህንጻታትን መሳለጥያታትን ዝግበር ዘሎ መጥቃዕታት ሓደ ካብ ስትራተጂካዊ ኣገባብ ሩስያ ኰይኑ፡ ሲቪላውያን ዜጋታት ንኽሃድሙ ዝገብር’ዩ። ብወገን ዩክሬን ዘገርም መኸተ ኣሎ። ቍጠባ እታ ሃገር’ውን ገና ኣይወደቐን። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ኩነታት ናብ ዘይጽወረሉ መገዲ ክበጽሕ ምዃኑ ንጹር’ዩ። ድሕሪኡ ህዝቢ ብጃምላ ክስደድ ክግደድ’ዩ።”
ካብ ዩክሬን ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክወሃሃዱ ምጅማሮ’ውን ሆፍማን ይገልጽ። ከም ኣገላልጻ ሆፍማን፡ ንሓደስቲ መጻእቲ ፈለማ ዓመት ክሳብ ዝላለዩ ከቢድ’ዩ። ቀጺሎም ግን ኣካል’ቲ ሕብረተሰብ ኰይኖም ክሰርሑን ደቆም ንትምህርቲ ክልእኩን ይጅምሩ’ሞ ብተዛማዲ ንቡር ህይወት ይጅምሩ ይብል ሆፍማን። ስደተኛታት ንቑጠባ እታ ተቐባሊት ሃገር ተራ ክህሉዎም ዝጅምር ድማ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዓመት ምዃኑ እቲ ክኢላ ይገልጽ።
ቤላሩስ፡ ብውዱብ መልክዕ፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ብስደተኛታት ንምዕልቕላቕ ከም እትሰርሕ እቲ ውድብ ክኸስስ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ካብ 2021 ኣትሒዙ ዝጀመረ ተግባር፡ ንስደተኛታት ብመገዲ ፖላንድ ኣቢልካ ንኤውሮጳ ምእታዎም’ዩ ነይሩ። ሩስያ ተመሳሳሊ ስራሓት ከይትጅምር ሕጂ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ካልእ ስግኣት ኣሎ።
ካሚኖ ሞርተራ-ማርቲነዝ ነዚ ከተብርህ እንከላ“ክረምሊን ካብን ናብ በረራት ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ይውስኽ ኣሎ። እዚ ከኣ ካልእ ቅልውላው ንምፍጣር ኣብ መደብ ከም ዘሎ ዘመልክት’ዩ።”
ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ውሁድ ፖሊሲ ንኽሕንጽጻ፡ ዝመጽእ ወርሒ ንኽራኸባ መደብ ኣሎ። ተዓዘብቲ ከም ዝብሉዎ ግን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ናይ ስትራተጂን ረብሓን ፍልልይ፡ ኣብ ሓደ መረዳድኢ ክበጽሓ ዘለወን ተኽእሎ ውሑድ’ዩ።