ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤካዎስ ኣብ ሕጊ ሳይበር ገበን ናይጀሪያ ዘሕለፎ ውሳነ ጉጅለታት መሰላት ንኢዶም


ECOWAS logo
ECOWAS logo

ቤት ፍርዲ 15 ሃገራት ዝሓቖፈ ደንበ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ኤካዋስ ኣብ ናይ ናይጀሪያ ናይ ሳይበር ገበን ሕጊ ንዘሕለፎ ውሳነ ተሓለቕ ሰብኣዊ መሰላት ናእድኦም ይገልፁ ኣለው።እቶም ኣንቃሕቲ ሕብረተሰብ /ኣክቲቪስት/ ግን መንግስቲ ምስቲ ውሳነ ክሰማማዕ እዩ ዝበል እምነት የብሎምን።

ኣብ ኣክራ ጋና ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኤካዋስ ዳኛ ከይክሩ ባንጉራ ናይ ናይጀሪያ ናይ 2015 ዓንቀፅ 24 ሕጊ ሳይበር ገበን ንናይ ኣፍሪካ ቻርተር ዝጥሕስ ስለዝኾነ ሰበስልጣን ነቲ ውሳነ ከመሓይሽዎ ኣዚዞም ኣለው።

እቲ ኣሰሓሓቢ ሕጊ ኮነ ኢሎም ኣብ ኦንላይን ናይ ሓሶት መልእኽትታት ዘውፅኡ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ወይ ዓብይ ናይ ገንዘብ ቅፅዓት ክፍረዶም ዝገበር እዩ።

ናይጀሪያ ናይ ኣፍሪካ ቻርተር ናይ ህዝብታት ሰብኣዊ መሰላት ፈሪማ እያ።ሰበስልጣን ናይጀሪያ ነቲ ውሳነ መልሲ ኣይሃቡሉን ዘለው።

ነቲ ሕጊ ንዓመታት ክከራኸር ዝፀንሐ ፕሮጀክት ተሓታትነት ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰላት ብሓፂር ኣፀዋውዕዓ ሲራፕ ዝተብሃለ ጉጅለ መሰላት ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንኢዱዎ ኣሎ።

ምኽትል ዳይረክተር ሲራፕ ኣብ መጨረስታ እቲ ቤት ፍርዲ ምስና ምስምምዑ ሕጉሳት ኢና ኢሉ።

ናይ ሳይበር ገበን ሕጊ ኣብ ግዕዝይና ንዝፅብፅቡ ጋዜጠኛታት ንምቕፃዕ እዩ ይውዕል ነይሩ።

Cross River Watch ናይ ዝተብሃለ ሚዲያ ሓሕታሚ ኣግባ ጃሊንጎ ብመንግስቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ብልሽውና ብምፅብፃቡ በቲ ሕጊ ኣብ 2019 ኣ\ፈ ተኸሲሱ።እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝተኣሰረሉ እዋን ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ከምዝተትሓዘ ይዛረብ።

‘’ከሕፍሩኒ እዮም ደልዮም።ብፅባሒቱ ኣብ ድሕሪት ቶዮታ ሃይላንደር መኪና ምስ ደርበዩኒ ናይ 26 ስዓታት ጉዕዞ ጀሚርና’’ ኢሉ።

ኣብ ኣቡጃ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኤኮዋስ ንጃሊንጎ ካብቶም ክስታት ነፃ ምዃኑ ብምብያን መንግስቲ ናይ 75,000 ዶላር ካሕሳ ንክኸፍሎ ኣዚዙ።

ሰበስልጣን ናይጀሪያ እቲ ሕጊ ንጋዜጠኛታትን ዜጋታትን ንምዕፋን ኣይንጥቀመሉን ክብሉ ኣሉታ ይህብሉ።

ናይ ኤካዋስ ውሳነ ንጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓለቕቲ ነፃነት ፕረስን ናይጀሪያ ዓብይ ዓወት እዩ፤እንተኾነ ስኽፍታታት ኣብ ቦቱኦም ኣለው ይብል ኦሉዋዳረ።

30 ምእታዊ ውሳነታት ኤካዋስ ጥራሕ እዮም ብሰበስልጣን ግብራዊ ዝኾኑ።ሰበስልጣን ነቲ ውሳነ ኣብ ምትግባር ዝሕታለ ከይርእዩ ስግኣት ኣለዎም።

‘’ሲራፕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናይጀሪያ ዘወሰኖም ብዙሓት ውሳነንታት ኣለው ዛጊድ ግን ተፈፃምነት ኣይረኸቡን’’ ይብል ኦሉዋዳረ።‘’እዚ ንእነካይዶ ናይ ህዝቢ ናይ ምሕላቕ ስራሕትና ጠጠው ኣየብሎን።ዝቕፅል ስጉምትና እዚ ውሳነ እዚን ካልኦት ውሳነታትን ግብራዊ ንክኾኑን ንክኽበሩን ምርግጋፅ እዩ’’ ኢሉ።

እተን ኣባል ሃገራትን ኣብያተ ፍርደንን ምስ ውሳነታት ኤካዋስ ክተሓባበራ ኤካዋስ ኣብዚ ወርሒ ፀዊዑ ኣሎ።ወሃቢ ቃል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሱን ባካሬ ናይጀሪያ ነቲ ውሳነ ብምትግባር መሪሕነታን ቅሩቡነታን ክተረጋግፅ ኣለዋ ኢሎም።

‘’ልዕልነት ሕጊ ዝኽበረላ ሃገር ምዃና እትሕበን ሃገር ንልዕልነት ሕጊ ጠጠው ዝበለት ምዃና ምርኣያ ክትቕፅል ኣለዋ። ሰበስልጣን ናይጀሪያ ንናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክምእዘዙ እንተኾይኖም ንምፍላጥ እዋኑ ገና እዩ።እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ናይጀሪያ ዝወሰኖም ግን ናይጀሪያ ኣብ ግብሪ ዘየወዕለቶም ውሳነታት ነይሮም።እዚ ውሳነ እዚ ካብኦም ሓደ ከምዘይኸውን ተስፋ ንገብር’’ ኢሉ።

ሲራፕን ካልኦት ብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ኩነታት ከምዝከታተሉን ሰበስልጣን ነቲ ውሳነ ብቕልጡፍ ከኽብሩዎን ንከታተሎ ኣለና ይብሉ።

XS
SM
MD
LG