ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡1 ሽሕ ሰባት ብተመሓላላፊ ሕማም ረስኒ ቺኩንጉኒያ(ከርፈስ) ተለኺፎም ምህላው ተገሊጹ


ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት
ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት

ኣብዚ እዋን ረስኒ ቺኩንጉኒያ ወይ ከርፈስ ዝተሰመየ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣብ ዞባታት ከሰላ ሱዳንን ቀይሕ ባሕርን ተላቢዑ ንብዙሓት ሰባት ኣደዳ ሕማም ይግብር ከምዘሎን ምስ ምንቅስቓስ ሰባት እቲ ሕማም ኣብ ከተማ ተሰነይ ክርአ ከምዝጀመረን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ።ረስኒ ቺኩንጉኒያ (ከርፈስ)ካብ ኣራሰንቲ ሕማማት ሓደ ኮይኑ፡ ኣይደስ ኤጂፕቲ ብዝተባህለት ኣንስተይቲ ጣንጡ በቲ ሕማም ካብ ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ብመንከስቲ ዝመሓላለፍ ሕማም እዩ።

ምልክታት’ቲ ሕማም ረስኒ ቺኩንጉኒያ፡ሃንደበታዊ ልዑል ረስን ምስ ገብገብታን ጽልኣት ብርሃንን ምቕያሕ ኣዒንትን፡ ዕግርግርን ተምላስን፡ምዕጻው ሽውሃት፡ዕንፍሩርን ሽፍታን እዮም።ብፍሉይ ኣብዚ ሕማም ዝርአ ግን ቃንዛን ነድሪ መለጋግቦትን ኮይኖም ነቲ ሕሙም ምንቅስቓስ ክሳብ ምስኣን ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG