ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ-‘ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ጽቡቝ`ኳ እንተኾነ ግእዝ ገዲፍካ ብላቲን ምጥቃም ግን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ሃስያ የስዕብ ኣሎ’ ኣጋይሽ ድምጺ ኣሜሪካ


ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ንንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ኣብ መዳይ ትምህርትን ማሕበረ-ቁጠባውን ባህልን ናይ ሕብረተሰብ ድረብ ረብሓ ኣለዎ ኢሉ ኔሩ።

እብ`ተን ውሑድ ተዛረብቲ ዘለወን ቋንቋታት ዝረኣዩ ሕጽረት መወከሲ መጽሓፍትን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘጋጥሞም ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ንምፍታሕ ፡ዝተፈላለዩ ጻዕርታትን ፍሉይ ምትብባዓትን ከምዝግበረሎም ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ተዛሪቡ ኔሩ።

ምስ`ዚ ዘይሰማምዑ ሰለስተ ተወልድቲ ብሄረ-ብሌን ግን፡ ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዝድገፍ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥቀመሉን፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ዝሰርሕን ትግርኛ ገዲፍካ ኣብ ክንዲ ብግእዝ ብላቲን ምስትምሃር፡ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ የግልሎን፡ ካብ ዕድላት ስራሕ የርሕቖን ኣለዎም ብምባል ተመሃሮ ብግእዝ ክመሃሩን ንቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ክመልኩን ይደልዩዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG