ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ዝናብ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ


ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ናይ ኤርትራ ብዝወቅዕ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ሩባታት ልዕሊ ዓቐን ብምምልኦም ዝሰዓበ ውሕጅን ምዕልቅላቕን ኣብ ንብረት፡ሕርሻዊ ትሕተ ቅርጽን እንስሳታትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጸቡ።በት ሓደጋ 266 ዒላታት፡176 ሞተረታት ማይን ብርክት ዝበለ መንበረ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ ተገሊጹ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ብሰንኪ ምምላእ ሩባታት ኣብ ወሰናስን ሩባታት ዝተደኮና ዓድታትን ከተማታትን ስግኣት ከምዘሕደረ ተገሊጹ’ሎ።

ብካልእ ዜና መበል 11 ኮርስ ን 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝሓለፈ ቀዳም ተመሪቆም።ኣብ’ቲ ናይ መመረቅታ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስመዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡”ሸቶናን ዕላማናን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኮሮና ቫይረስን ካልኦት ለበዳታትን ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር፡ኩሉ ጎናዊ ዓቕምናን ብቕዓትናን ናብ ኣዝዩ ዘተኣማምን ጽፍሒ ሓፍ ምባል’ዩ” ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: ዝናብ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:44 0:00



XS
SM
MD
LG