ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተዳጒኖም ይርከቡ


ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ
ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ ንንቡር መስርሕ ህይወታ ዝቐየረት መዓልቲ ፈጺማ አይትስዓን እያ። ለካቲት 19, 2009 - ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሬድዮ ባና ምዱብ ስርሓ ተካይድ ከምዝነበረት፡ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኾነ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ መደበር ሬድዮ ሃንደበት ኣኼባ ከምዝጸውዑ፡ ቀጺሎም ወታሃደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ ወታሃደራት ነቲ ቀጽሪ ከቢቦም ልዕሊ 30 ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ይርገኣለም ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክር። ንይርጋኣለም ድማ ናብ ካብ ኣስመራ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተወስደት።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምርመራ ቀጺሉ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝቐርበላ ዝነበረ ሕቶታት “ስግንጢር”ብምዃኖም ይርገኣለም ንጊዚኡ ብጌጋ’ዩ ዝኸውን ክትብል ገመተት።

ይርጋኣለምን ካልኦት አባላት ሬድዮ ባና ምስ መደበር ሬድዮ ተቓወምቲ ርክብ ኣለኹም ዝብል ክሲ‘ዩ ቐሪብሎም።

ኤርትራ: ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተዳጒኖም ይርከቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:15 0:00

ይርገኣለም “ብዙሕ ሕቶታት ሓቲቶምኒ እንድዮም ስለዚ ኣጻርዮም ክፍንውኒ’ዮም” ዝብል ሓሳብ ከምዝነበራ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ብዝነብራ ምትእምማን “ዝሓተቱ እንተሓተቱ ብቕንዕናይ ይተኣማመን ኔረ ብዛዕባ’ቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ድማ ኣይተሻቀልኩን” ትብል።

ኣንጻር ዝነበራ እምነት ይርጋኣለም ከምዝገመተቶ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣይተፈትሓተን።ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማእለያ ዘይብሉ ምርመራን ማሕረምቲን ገጢምዋ። ኣብ መወዳእታ ኸአ ኣቐዲማ ብዝጸሓፈቶ ግጥሚ ክሲ ብምቕራብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትጸንሓሉ ጊዜ ተናዊሑ፡ ንሳ ግን ንኹሉ ዝቐረበላ ክሲታት ትነጽግ።

ንሳ ኾነ ብጾታ እቲ ዝሕተትሉ ዝነበረ ሬድዮ ኣበይ ከምዘሎ’ውን ኣይፈልጥዎን ከምዝነበረ ትሕብር።

ይርጋኣለም እታ እንኾ ኣብ ኤርትራ ዝተአሰረት ኤርትራዊት ጋዜጠኛ ኣይኮነት ብመሰረት ሪፖርት ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል (CPJ) ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ 16 እሱራት ጋዜጠኛታት ኣለው።እቲ ትካል ብተወሳኺ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ደረጃ ናጽነት ሕትመትን ብሕታዊ ጋዜጣታት ኩነታት ኤርትራ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምንቁልቋሉ ይገልጽ።

ኣብ መስከረም 2001 ሰበ ስልጣን ኤርትራ ንመብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ዝሕተሙ ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ሕትመትን ሃገርዎ ። ሸውዓት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድማ ኣብቲ ህሞት ተዓጽዋ።ከምኡ’ውን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ተአስሩ፡ እዞም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ’ውን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ተቓወምቲን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ርክብ ጌሮም መንግስቲ ንምግልባጥ ዝሰርሑ እዮም ክብል ይኸስስ።

ኣቐዲሙ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቭዥን ኤርትራ (ኤሪቲቪ) ኣንባቢ ዜና ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮንኻ ብዛዕባ እሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ ጸብጻብ ምቕራብን ምሕላቕን ዘይኸአል’ዩ ኔሩ ይብል።

ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ
ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ

“ ክሳብ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ማንም ሰብ ኣበይ ከምዘለው ኣይፈልጥን።ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዝፍለጥ ነገር የለን።ከምዚ ዓይነት ናይ ጋዜጠኛታት ማእሰርቲ ዘይምግሃድ ወይ ንህዝቢ ምንጋር ፍቑዱ ኣይኮነን ተኸዊሉ ዝሓልፍ ነገር እዩ። ብዛዕቦም ዝፍለጥ ኾነ ዝተሰምዐ ነገር የለን።”

ኣብ ወጻኢ ዘለዎ ስድራቤታት፡ተቓወምቲ፡ ሰበ ስልጣን ወጻኢ ሃገራትን ዲፕሎማትን ነቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ንምፍታሕ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።ንኣብነት ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብ2001 ተአሲሩ መንግስቲ ሽወደን፡ተሓለቕቲ መሰላትን አባላትን ስድራቤትን ክፍታሕ እንተሓተቱ’ዃ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣፍለጥን።

ከምኡ’ውን ኣብ 2001 ዝተኣሰረ ጋዜጠኛን ሰኣላይን ስዩም ጸሃየ ሰብ ኣብዘይበጽሖም ዘይርእዮን ቦታ ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመት ጸኒሑ ኣሎ። ጓል ሓፍቱ ብዛዕብኡን ኩነታቱን ኣፍልጦ ንምዕባይ “ስዩም ሓንቲ መዓልቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሓደ ትካል መስሪታ ትንቀሳቀስ አላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ናጻ ዝኾና መራኸቢ ብዙሃን የለዋን፡ ብዛዕባ ኣሉታዊ ዜና ገዛኢ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን ወይን ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝነቕፉ ጽሑፍ ብመሓውራት ዜና ክቓላሕ ኣይስማዕን።

ብብእዋኑ ገለ ዓለምለኸ መሓውራት ዜና ናብ ኤርትራ ክኣትው ተፈቐዲሎም እንተነበረ መንግስቲ ንስርሖም ብዕቱብ ስለዝቆጻጸሮ እቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣይበጽሕን።

ኣብ ኤርትራ ዘለው ጋዜጠኛታት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህቦም ሓበሬታ ጥራይ’ዮም ዘቓልሑ ምክንያቱ እዚ ምስ ዘይኸውን እንታይ ክስዕብ ከምዝክእል ይፈልጡ’ዮም።

“ ንዝኾነ ሰብ ካብቲ ዝተመደበ ኣሰራርዓ ወጻኢ ቦታ የብሉን። ስለዚ ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምክልካል ወይ ንምንባር ኢሎም ከም ዝሰርሑ ክትርዳእ ትኽእል። ዝኾነ ነገር ካብታ ዝተባህለት እንተወጺኦም ባዕላቶም ኣብ ሽግር ከም ዝኣተው ስለዝፈልጡ ከአ እዮም ኩሉ ጽቡቕ ከምዘሎ ጌሮም ከቕርቡ ዝገደዱ።”

ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ግን ገለ ጩራ ተስፋ ኣብቲ ሞያ የርእዩ ኣለው።ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ትርከብ ሬድዮ ኤረና ዝሰርሑ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓበሬታ ብምስጢራዊ ኣገባብ ናብ ምሉእ ዓለም የመሓላልፉ። ዜናን ካልኦት ፕሮግራማትን ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን የዳልው።ነቲ መደባት ኸአ ናብ ኤርትራ ብሳተላይትን ብሓጺር ማዕበልን ይበጽሕ።

ይኹን ደአ እምነር ንይርጋኣለምን ካልኦት ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽ ዕድል ክመጽእ ገና ሃረር ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተዳጒኖም ይርከቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:07 0:00

XS
SM
MD
LG