ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ዘገልገለ ናይ ራጂ(ኤክስ-ረይ)ፕላስቲክ ዳግማይ ብምምስራሕ ኣብ ረብሓ ዘውዓሉ መንእሰያት


ዮዲት የማነ፡ግርማይ ፍስሃየ፡ዮናታን ተኽለሚኪኤል፡ሚኪኤል ገ/ሊባኖስ፡ፋኑኤል መሓሪን፡የማነ ሚኪኤለን ይበሃሉ።ኣብ 2018 ኣብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ብዓውዲ ምህንድስና ቴክኖሎጂ ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም ሎሚ ዓመት ክምረቑ’ዮም።

እዞም ሽዱሽተ መሃንድሳት ፡ኣብ ትካላት ሕክምና ኣብ ናይ ራጂ ኣገልግሎት ዝወዓለ ፕላስቲክ ፡ዳግማይ ብምምስራሕ፡ብሩርን ፕላስቲክን ብምፍልላይ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ጌሮም። ነቲ ብሩርን ፕላስቲክን ንምፍልላይ ዝተጠቅሙሉ ባእታ ድማ ኣብ ሓመድ ዝረከብ ጥረ-ነገር ኮይኑ ፡እቲ መስርሕ’ውን ካብ ብከላ ነጻ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ውሑስን ውሑድ ወጻኢታትን ዝሓትት ከምዝኾነ መሃንድሳት ዮዲት የማነን ግርማይ ፍሰሃየን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG