ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ-ዑረት ዓይንን ትራኮማን ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ


ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ነቶም ብብዝሒ ዝረኣዩ ሕማማት ሓበላ ዓይንን ትራኮማን ብምኽልኻልን ብምሕካምን ብደረጃ ሃገር፡ ኣብ 2020 ዑረት ዓይኒ፡ ኣብ 2022 ኸኣ ትራኮማ ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ዝሕግዝ ስትራቴጂታት ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ሃገራዊ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ዑረት ዓይኒ ኣቶ ኣለም ዘካርያስ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።


ሜዲካል ዳይሬክተር ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ ዶ/ር ካሕሳይ ፍ/ጽዮን ብግዲኡ፡ ኩሉ ዓይነት መጥባሕቲ ዓይኒ ዝገብሩ ሓካይምን እኹል መሳርሒታትን ስለዘለዎም ምሉእ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

በብግዚኡ ኣብ ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ ዝፈርዩ ዘለዉ ሓካይም፡ ኣብ ምስፋሕ ኣገልግሎት ጥዕና ዓይኒ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ`ውን ኣቶ ኣለም ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG