ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ:  ወናኒት ትካል ጸባን ውጽኢት ጸባን ክትውንን ዝኸኣለት ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ


ኣብ 1992 ብሓንቲ ላምን 2 ሊትሮ ጸባን ዝጀመረቶ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ በበመድረኹ ንዘጋጠማ ብድሆታትን ሕጽረታትን ሰጊራ “ኤፍቲ ትካል ጸባን ውጽኢት ጸባን “ ዝብል ትካል ክትውንን ዝበቕዐት ጻዕረኛ ጓል ኣንስተይቲ’ያ-ወ/ሮ ፍረወይኒ ተስፋሃንስ።

እዛ ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ እቲ ዝመስረተቶ ትካል ጸባ ፡ቀረብን ጠለብን ጸባን ፍርያት ጸባን ኣብ ምርግጋጽን ብርክት ንዝበሉ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪባ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝረኸበቶ ስልጠናን ትምህርትን ተሓጊዛ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ንፈለማ እዋን ርግኦ ዓሺጋ ክትሽይጥ ከምዝኸኣለት ወ/ሮ ፍረወይኒ ተዛሪባ።

ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG