ኣስመራ —
ተላባዒ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዝከየዱ ስርሓት፡ወለንታውያን መንእሰያት ብውልቅን ብጉጅለን ብምዃን ውሑስ ዝኾነ መሕጸቢ ኢድ ብምስናዕ ኣብ ጥቅሚ ህዝቢ ከምዝውዕል ገይሮም።