ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ክልተ መንእሰያት ኩባንያ ቶታል ኣብ ዝተዳለወ ዓለምለኻዊ ውድድር ምህዞን ሰንዓን፡ ተዓዊቶም


ኩባንያ ቶታል ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ምህዞን ሰንዓን 2018፡ ብደረጃ ሃገር ቀዳሞት ኮይኖም ዝተዓወቱ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ፡ብደረጃ ዓለም ምስ ብሉጻት 10 ዕዉታት ተሰሪዖም።

መንእሰይ ነርስ ዮሴፍ መንግስትኣብን ክኢላ ምህንድስና ኮምፕዩተር ኢንጅነር ሙስጠፋ ኣደምን፡ መድሃኒት ሕማም ሽኮርያ ንምዕቃብ ተገልግል `ተንቀሳቓሲት መዝሓሊት መድሃኒት ኢንሱሊን` ትብል ፕሮጀክት ኣቕሪቦም ክዕወቱ ብምኻሎም ናይ ገንዘብ ሽልማትን ናይ ስልጠና ዕድልን ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።

እቶም መንእሰያት ብመርፍእ ዝውሰድ መድሃኒት ሕማም ሽኮርያ ዝወስዱ ሕሙማት ንዘለዎም ሕጽረት መዝሓሊ ንምቅላል ነቲ ፕሮጀክት ከምዝጀመርዎ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

እዛ ተንቀሳቓሲት መዝሓሊት ኢንሱሊን ብዋጋ፡ክብደታ፡ኣገልግሎታ፡ከምኡ`ውን ብዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ናይ ጸዓትን ብውሑድ ሃልክን ትሰርሕ ብምዃና ካብ ቀንዲ ብልጫታት ናይዛ ፕሮጀችት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG