ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ኩነታት ዝርግሐ ዝናብን ዘራእትን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዘሎ ተገሊጹ


ካብ ቤት ጽሕፈት ትንበያ ኩነታት ኣየርን ዝናብን ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ዝርግሐ ዝናብ ኤርትራ ንቡር፡ልዕሊ ንቡርን ትሑትን ከምዝኸውን ዝገልጽ’ኳ እንተኾነ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝርግሕ ዝናብን ዘራእትን ግን ዝሓሸን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘይፍለን ከምዝኾነ ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ዘራእቲ ኣቶ ተስፋይ ገብረማርያም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ሚንስትሪ ሕርሻ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ውሑስ ሕርሻን ውሕስነት መግብን ንምርግጋጽን ዝሕግዝ ፖሊሲ ሓንጺጹ ይሰርሕ ብምህላዉ ዘሰክፍ ናይ ደርቂ ኩነታት ከምዘየልቦ ኣቶ ተስፋይ ይገልጹ። ንሶም ክሳብ ወርሒ ሓምለ 127፡516 ሄክታር ከምዝተዘርአ ብምሕባር፡ኣብ ኣዝመራ ዝተዘርኡ ዘራእቲ ኣብ ደረጃ ምጉሳይ ኣብ ክረምቲ ዝተዘርኡ ዘራእቲ ከኣ ኣብ ደረጃ ምብቋል ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: ኩነታት ዝርግሐ ዝናብን ዘራእትን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዘሎ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:00 0:00

XS
SM
MD
LG