ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ-ብሕማም ሓንጎል(ፒቱተሪ ኣደኖሚያ)ተጠቒዓ ኣብ ናይ ሞትን ሂወትን ትርከብ ውልዶ መንእሰይ


ጓል 15 ዓመትን ተማሃሪት 9 ክፍልን’ያ።ቅድሚ 5 ኣዋርሕ ብዘጋጠማ ፒቱተሪ ኣደኖሚያ ዝተባህለ ናይ ሓንጎል ሕማም ሃንደበታዊ ምውዳቕን ሃለዋት ምጥፋእን ስለዘጋጠማ ነብሳ ኣብ ዘይተቆጻጽረሉ ደረጃ ትርከብ -ውልዶ መንእሰይ ናሄር ዮናስ።እቲ ሕማም ዝተራቐቐ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ስለዘድልዮ ኣብ ወጻኢ ከይዳ ክትሕከም ከምዘለዋን ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ እንተዘይረኺባ ከኣ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሳዕቤን ከምዘለዎ’ዩ ብሓካይም ተነጊርዋ።እታ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብርኣ ብወ/ሮ ፍረወይኒ እትእለ ስድራ ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ከምትርከብ ወላዲታ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪባ።ጓላ ናብ ወጻኢ ወሲዳ ከተሕክማ ዓቕሚ ከምዘይብላ ብምጥቃስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ዜጋታት ጓላ ኣብ ወጻኢ ከይዳ ክትሕከም ሓገዝ ከበርክቱላ ወላዲታ ትሓትት ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG