ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ 2030 ዜሮ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ንዝብል ሸቶ ነባሪ ምዕባለ ክትበጽሖ ተኽእሎ ተገሊጹ


ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ሕማም ኤችኣይቪ/ኤይድስን መልከፍቲ ካብ ኣደ ናብ ዕሸልን ትሕቲ 1% ከምዝወረደ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊት ኣሃዱ ኤችኣይቪ/ኤይድስን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል ንቪኦኤ ተዛሪባ።

መልከፍቲ ካብ ነብሰ-ጾር ኣደ ናብ ዕሸል ናብ 0.2% ብምውራዱ ኤርትራ ኣብ 2030 ዜሮ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ንዝብል ሸቶ ነባሪ ምዕባለ ከምትበጽሖ ሲስተር ንግስቲ ተዛሪባ።

ኣብ ምጉዳል ሓድሽ መልከፍትን ምዕባይ ኣፍልጦን እጃሞም የበርክቱ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ማሕበር ብድሆ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ኣስፍሃ፡ቁጽሪ ሓድሽ መልከፍትን መጠነ ሞት ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ዜጋታትን ከምዝነከየ ተዛሪቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG