ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ፌስቲቫል ውርሻ ኣፍሪቃ መንጎምሪ ካውንቲ ትሳተፍ


ኤርትራ ኣብ ፌስቲቫል ውርሻ ኣፍሪቃ መንጎምሪ ካውንቲ ትሳተፍ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:40 0:00

ኤርትራ ኣብ ፌስቲቫል ውርሻ ኣፍሪቃ መንጎምሪ ካውንቲ ትሳተፍ

ኣካል ክፍለ ግዝኣት መሪላንድ ዝኾነ መንጎመሪ ካውንቲ፥ ኣብ ከተማ ሲልቨር ስፕሪንግ ዘካይዶ ኣፍሪቃን ሀሪተጅ ማለት ውርሻ ኣፍሪቃ ዝሰየሞ ፈስቲቫል ኣብ ወርሒ መስከረም የካይድ። በዚ መሰረት ኤርትራ ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ፈስቲቫል ተሳቲፋ ኔራ። ኣብቲ ንባህልን ኣነባብራን ዘላሊ መድረኽ ፥ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ተሳቲፎሞ ኔሮም።

ብስነ ጥበብዊ ኣሮን ክብርኣብ ዝስልጥኑን ዝምሃሩን ቆልዑት'ዮም ነቲ ባህላዊ ምርኢት ከፊቶሞ። መስከረም 26,2021 ፈላማይ ተሳትፎ ኤርትራውያን ማሕበረ-ሰብ ኣብ ፈስቲቫል ወርሒ ኣፍሪቃ ኣብ ሞንገሞሪ ካውኒ። እቲ ፈስቲቫል፥ ኣፍሪቃውያን ምስ ካልኦት ኣመሪካውያን ባህሎምን ልምዶምን ዝላለይሉን ንፖለቲከኛታት ድማ ህላውኦምን ኣድማዕነቶም ዘረጋግጽሉ'ዩ። ብእኡ መጠን ድማ ሓለፍቲ መንግስትን ተወዳደርትን ነቲ ባይታ ተጠቒሞም ንነብሶም ፖሊሲታቶምን የላልዩ። ኣብ ግዝኣቶም ዘሎ ዕድላት ድማ ነቲ ማሕበረሰብ የፋልጡ።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መንጎመሪ ካውንቲ ቶም ሃከር ብምኽንያት 60 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኤርትራ ፥ ብተሳትፎ ኣፍሪቃን ፈስቲቫል በቲ ካውንቲ ዝተዋህበ ናይ ኣፍልጦ ናይ ምስክር ወረቐት አረኪቡ።

እዚ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ወረዳ መንጎመሪ ካውንቲ "ህዝቢ ኤርትራ ከም ሉኡላዊ ሃገር ብሰላም ክነብር ንዝወሰዶ ስጉምቲ ኣፍልጦ ንምሃብ'ውን ኣብ ወረዳና ንዘለኩም ተሳትፎን እዚ ናይ ምስክር ወረቐት ንህበኩም ኣለና" ኢሉ ።

ንዝተፈላለያ ብሄራት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ባህልን ጸወታን ንምርኢት ቀረቡ ኔሩ::

ኣብዚ ኣብ ሲልቨር ስፕሪንግ መሪላንድ ዝተኻየደ African Heritage month malet ወርሒ ኣሰራት ኣፍሪቃ፥ ማሕበረሰብ ኤርትራ ንባህሎምን መንነቶም ዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ኣልባሳትን ኣቑሑትን ብመጠኑ ሒዞም ቀሪቦም ኔሮም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:53 0:00


XS
SM
MD
LG