ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ዓለም ብምመያ መራኸቢ ብዙሃን ቀዳመይቲ ደረጃ ተሰሪዓ


ኤርትራ ኣብ ዓለም ብምመያ መራኸቢ ብዙሃን ቀዳመይቲ ደረጃ ትሕዝ ክብል ተሓላቂ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ትካል ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት፡ ኤርትራ ኣብተን 10 ኣብ ዓለም ኣዝየን ምመያ ዝገብራ ሃገራት ቀዳመይቲ ከምትስራዕ ሓቢሩ’ሎ።

ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣብ ዓበይቲን ነአሽቱን ከተማታት ኤርትራ ዝነብር 91 ሚእታዊት ቤት ልዕሊ 650 ቻነላት ቲቪ ብሳተላይት ስለ ዝርእይ አማራጺ ምንጪ ሓበሬታ ኣሎ ኢሎም።

CPJ ግን ኣብ ኤርትራ ጽንኩር ቀይድታት ሓበሬታ ከምዘሎን ካብታ ሃገር ነጻ ኾይኑ ዝጽብጽብ መራኸቢ ብዙሃን ከምዘየለን ንሳተላይትን ዓምዲ ኢንተርነት’ውን ዓፈና ከምዘሎ ንፈልጥ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ ኣብ ዓለም ብምመያ መራኸቢ ብዙሃን ቀዳመይቲ ደረጃ ተሰሪዓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:29 0:00


XS
SM
MD
LG