ኣስመራ —
ብኤፍሬም ካሕሳይ(ወዲ ዃዳ) ተደሪሳ ዝተኣልየት ናይ ትግርኛ ፊልም “ዓለም ኣብ’ቲ ደብሪ” ኣብ ሂዩስተን፡ ፓሪስ፡ ስቶኮሎምን ካይሮን ናይ ፊልም ፈስቲቫላት ተወዳዲራ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ረኺባ። ንደራሲን ኣላዪን እዛ ፊልም ስነ-ጥበበኛ ኤፍሬም ካሕሳይን ኣብታ ፊልም ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ብውልቂ ሽልማት ንዝረኸቡ ስነ-ጥበበኛታትን ኣዘራሪብና ኣለና።