ኣስመራ —
“ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን ተማሃሮ” ሚኒስትሪ ትምህርቲ ን60 ተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብ ምድላው ሮቦቲክስን ፕሮግራምን ዘተኮረ ቀዳማይ ደረጃ ስልጠና ሂቡ። እቲ ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ተሰንዩ ንክልተ ሰሙናት ዝተውሃበ ስልጠና ፡ተማሃሮ ዝንባሌኦምን ዓቕሞምን ብምልላይ ተመራመርትን መሃዝትን ንኽኾኑ ዘአንፍት ስልጠና ከምዝኾነ ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል ኣቶ ደስበለ መሓሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እቲ ስልጠና ኣብ ምግጥጣምን ምትሓዝ ቅርጽን፡ ሮቦቲክስ፡ ምድላው ፕሮግራም ከምኡ’ውን ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ትምህርቲ ዘጠቓለለ ከምዝነበረ መሃንድስ ስምኦን ዑ/ገርግስ ገሊጹ።
ሰልጠንቲ ተማሃሮ ብወገኖም “ቅድሚ’ቲ ስልጠና ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ፡እንተኾነ ግን ብዝተውሃቦም ስልጠናን ትምህርትን ተሓጊዞም ብጉጅለ ሮቦት ከገጣጥሙን ከንቀሳቕሱን ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።