No media source currently available
“ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን ተማሃሮ” ሚኒስትሪ ትምህርቲ ን60 ተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብ ምድላው ሮቦቲክስን ፕሮግራምን ዘተኮረ ቀዳማይ ደረጃ ስልጠና ሂቡ። እቲ ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ተሰንዩ ንክልተ ሰሙናት ዝተውሃበ ስልጠና ፡ተማሃሮ ዝንባሌኦምን ዓቕሞምን ብምልላይ ተመራመርትን መሃዝትን ንኽኾኑ ዘአንፍት ስልጠና ከምዝኾነ ዳይረክተር ናይ’ቲ ማእከል ኣቶ ደስበለ መሓሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።