ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ኣብ ምስራሕ ሞባይል መተግበርን ምዝርጋሕ መርበብ ሓበሬታን ትነጥፍ ኣብነታዊት መንእሰይ


ኢቲሳም ሑሰን ትበሃል። ኣብ 2017 ብኮምፕዩተር ምህንድስና ድሕሪ ምምራቓ ፡ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ብዝተምሃረቶ ሞያ ኣብ ምንጣፍ ትርከብ።

መሃንድስ ኢቲሳም፡ ገና ተማሃሪት 3ይ ዓመት ከላ’ያ ኣብ ምስራሕ መርበብ ሓበሬታ(ዌብ ሳይት)ተዋፊራ።

ብውልቃን ምስ ካልኦት መማህርታን መሻርኽታን ብምኳን፡ኣብ ሆስፒታል ንዝደቀሱ ሕሙማት፡ተማሃሮ፡ውልቀ-ነጋዶን በጻሕቲ ሃገርን ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ናይ ሞባይል መተግበርን ሶፍት ዌራት ከምዝሰርሕትን ካብኣቶም ገሊኦም ኣብ ህዝቢ ተዘርጊሖም ኣብ ኣገልግሎት ከምዝርከቡን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪባ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG