ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ መበል 14 ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ተዓዊታ


ኤርትራ ኣብ`ቲ ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መበል 14 ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ተዓዊታ።

ኤርትራ ኣብቲ መጋቢት 14 ጀሚሩ ትማሊ ሰሉስ 19 መጋቢት ዝተዛዘመ ውድድር ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ብ 7 ወርቂ፡6 ብሩርን 4 ነሃስን ቀዳመይቲ ክትከውን ከላ፡ ኢትዮጵያ ብ7 ወርቂ፡ 5 ብሩርን 2 ነሓስን ካልኣይቲ፡ ሩዋንዳ ድማ ብ2 ወርቂ፡2 ብሩርን 3 ነሃስን ሳልሳይቲ ብምኳን ተዓዊተን ኣለዋ።

ኤርትራ ኣብ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ መድረኻት’ቲ ውድድር ኣርባዕተ ወርቂ ብምርካባ ነዚ ዓወት ዝበቕዓት ክትከውን ከላ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኤሊት ዝተኻየደ ውድድር፡ ክልተ አሕዋት ማለት ሞሳና ደበሳይን መክሰብ ደበሳይን ተዓወቲ ኮይኖም ኣለው። ሳልሳይ ሓዎም`ውን ኣብ`ቲ ውድድር መዳልያ ምዕዋቱ ተፈሊጡ`ሎ።

ኣብቲ ውድድር ተቐዳደምቲ 16 ሃገራት ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ።

ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ነዚ ውድድር ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2019 ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ሞሳና ቀዳመይቲ ንኤርትራ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ትውክል ጓልኣንስተይቲ ክብል ከሎ፡ ሓዋ መክሰብ ደበሳይ ድማ ናብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ምሕላፉ ኣረጋጊጹ’ሎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG