ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ኣብ ሊብያ ተቐርቂሮም ዘለዉ ዜጋታተይ ናብ ዓዶም ከይመልስ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ የተዓናቕፍ ኣሎ ትብል


ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ መጻብቦ ኩናት ወዲቖም ዘለዉ ዜጋታት ናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የተዓንቕፎ ኣሎ ዝብል መረረት ንምቕራብ፡ ኣብ ኤርትራ ወኪል`ቲ ትካል ጸዊዑ ከምዘዘራረቦ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበረታ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ወሲድና ክነስፍረኩም ኢና ብዝብል ንገለ ኤርትራውያን ኣብ ኒጀር ኣብ ዝርከብ ዝተጎሳቖለ ካምፕታት ኣቐሚጥዎም ይርከብ ትብል ።

ድምጺ ኣሜሪካ ናብ ሊብያ ደዊሉ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ኢና ዝበሉ ክልተ ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ክንምለስ ድልየት የብልናን ኢሎም።

ኣቶ የማነ ብኻልእ ወገን፡ 50 ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ኤርትራ ብድልየቶም ከምዝተመልሱ ብምጥቃስ፡ ካልኦት 18 ሎሚ ይምለሱ ከምዘለዉ ኣብ ናይ ትማሊ ትዊተሩ ገሊጹ ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ፡ ኣብ ሊብያ ተቐርቂሮም ዘለዉ ዜጋታተይ ናብ ዓዶም ከይመልስ ናይ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ የተዓናቕፍ ኣሎ ትብል
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:45 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG