ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ መዚዛ


ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሚንስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ብ20 ሓምለ 2018 መዚዝዎ።ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ብደረጃ ሚንስተር’ዩ ነዚ ሹመት ተመዚዙ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ16 ሓምለ ብወግዒ ምኽፋቱ ዝዝከር’ዩ።ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብ18 ሓምለ ንኣቶ ረድዋን ሑሴን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ገይራ ምሻሙ ይፍለጥ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ “ክልቲኤን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ከሕድሳ”ዝብል ዝርከቦ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘጠቓለለ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ብ 9ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ምኽታመን ይፍለጥ።

ምምዛዝ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ኣምባሳደራት፡ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ኣበርኽቶ ከምዝህልዎ ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ መዚዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:08 0:00

XS
SM
MD
LG