ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ስሉሳዊ ኣዋጅ ምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ፈሪመን


መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማል ሱሉሳዊ ኣዋጅ ምትሕብባር ሎሚ 6 ነሓሰ,2018 ኣብ ኣስመራ ፈሪሞም።

እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ህዝብታት እዘን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፡ቁጠባዊ፡ማሕበራዊ፡ባህላዊን ናይ ጸጥታን ዝምድናን ንምምዕባል፡ ከምኡ`ውን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ`ሎ።

መንግስታት እተን ሃገራት ብተወሳኺ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ንዝካየድ ጻዕርታት ዘተሓባብር ሓባራዊ ላዕለዋይ ኮሚተ ምምስራቶም ተገሊጹ`ሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ነሕእሰ 6 ,2018፡ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት መሪቖም ከፊቶሞ ኣለው።

ድሕሪ ስነ ስርዓር ምክፋት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ፈጺሙ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ’ሎ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ አዲስ ኣበባ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣተውሉ ብዛዕባ ናይ ቻይና ናይ ኤርትራን ዑደቶም መግለጺ ሂቦም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ሎሚ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምኻድ ምስ ናይ ጅቡቲ መዘነኦም ብዛዕባ ዞባዊ ምትሕብባር ድሕሪ ምዝታዮም ስምምዕ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ስሉሳዊ ኣዋጅ ምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ፈሪመን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:08 0:00

XS
SM
MD
LG