ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ንዓይነ-ስውራን እትሕግዝ ናይ ፈለማ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር


ክብሮም ገ/ኣብ ዝተባህለ ኤርትራዊ ዓይነ-ስውር፥ኣብ መዓልታዊ ስርሑ ንዘጋጥሞ ጸገማት ንምፍታሕን ካብ ጽግዕተኛነትን ንምንጋፍ ድሕሪ ዝገበሮ ሓያል ጻዕሪ፡ብዓይነታ ናይ ፈለማ ዝኾነት ንዓይነ-ስውራን ትሕግዝ ናይ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር ኣማዕቢሉ ንተጠቀምቲ ብነጻ ዘርጊሑ።

ዓይነ-ስውር ክብሮም ብዓውደ-ትምህርቲ ታሪኽ ተመሪቑ ኣብ ማእከል ስነዳን ምርምርን ኤርትራ ከም ክኢላ ኣርካይቭ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ መንእሰይ’ዩ።እዛ ናይ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር፡ ዓይነ-ስውራን ኩሉ ዓይነት ናይ ቤ/ጽ ስርሓት ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብግእዝ ንክግልገሉ እትሕግዝ ምዃና’ዩ ሰራሒኣ ዓይነ-ስውር ክብሮም ገ/ኣብ ይዛረብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: ንዓይነ-ስውራን እትሕግዝ ናይ ፈለማ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:48 0:00

XS
SM
MD
LG