ኣስመራ —
መንግስቲ ኤርትራ ባይቶ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘሕለፎ ውሳኔ "መሰረት ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ” ክብል ብትሪ ነጺግዎ።
ኤርትራ ነቲ ባይቶ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ትማሊ 22 መጋቢት,2021 ዘሕለፎ ውሳነ "ገታኢ ስጉምትታት ንግሉሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት” ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳነ ፡ "መሰረት ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ” ክብል ብትሪ ነጺግዎ።
"ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ነዚ ውሳነ’ዚ ከሕልፍ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ስልጣን የብሉን” ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነቲ ውሳነ ተቃዊምዎ’ሎ።