ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንመስመር ቡሬ-ዓሰብ ከምዝነበሮ ክፉት ገዲፋቶ


ቡሬ-ዓሰብ
ቡሬ-ዓሰብ

ኤርትራ ንመስመር መእተዊ ቡሬ-ዓሰብ ኽፉት ከምዝገደፈቶ ነበርቲ ቡሬ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ከም ሓበረታ ነበርቲ ቡረ ኤርትራ ንመስመር ዛላምበሳ-ሰርሓን፡ ራማ-ክሳድ ዒቃን ብምዕጻው መእተዊ ፍቓድ ክትሓትት ከላ፡ እቲ መጀመርያ ዝተኸፈተ መስመር ቡረ-ዓሰብ ግን ከም ቀደሙ ምሉእ ንምሉእ ክፉት ኮይኑ ቀጺሉ`ሎ።

ካብ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሓበረታ ምርካብ ኣይተኻእለን ፡ ነገር ግን ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ኤርትራ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘይ-ዜጋታት ቪዛ ይሕተቱ ኣለዉ`ምበር (ዶብ ከምዝተዓጽወ ኣምሲልካ) ነገራት ምጥምዛዝን ንሰብ ምድንጋርን ይተረፍ ክብል ሓቢሩ።

ሰብ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ኣብ ዶባት ደረት ምግባር ዝፈልጥዎ ሓበረታ ከም ዘይብሎም`ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:06 0:00

XS
SM
MD
LG