ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፡ንሓደ ዘበን ከይተርኣየት ዝጸንሐት ፍልይቲ ጠለ-በዱ ዳግማይ ተረኺባ


በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኤርትራ፡ንኣስታት ሓደ ዘበን ከይተርኣየት ዝጸንሐት ”ኤርትራዊት ጠለ-በዱ” ዝተሰመየት ፍልይቲ ዓሌት ጠለ-በዱ ኣብ ጋሽ-ባርካ ከባቢ ሩባ ሞጎራይቭ ምምሕዳር ኣደራት ዳግማይ ከምዝረኸበ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ዕቀባን ልምዓትን እንስሳ ዘገዳም ኣቶ ፍጹም ሓጎስ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኣቶ ፍጹም ክሳብ ሕጂ ኣስታት 11 ዝኾና ከምዝተረኽባ ብምጥቃስ: ካብ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ግን ቁጽረን ክሳብ 50 ከምዝበጽሕ ገሊጹ።

እዛ ኣብ ከባቢ ከብዳ ጸሊም ሕላገት ዘለዋ ፍልያቲ ዓሌት ጠለ-በዱ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ትርከብ ኮይና: ሓንቲ ካብ’ቶም ናይ ምጽናት ሓደጋ ኣንጸልሊወን ዘለዋ እንስሳታት ዘገዳም ከምዝኾነት ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG