ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: 'ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዘይሓላፍነታዊ ጸለመ የካይድ ኣሎ' ክትብል ምላሽ ሂባ


ኤርትራ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ`ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይሓላፍነታዊ ጸለመ ዝሓዘ ዘመተ የካይድ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1952 ዝወጸ ንስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውዕል ኣብ ምኽባር ነቕ ዘይብል መትከላ ኣይተቐየረን ኢሉ።

እቲ ብሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዝተዘርግሐ ናይ ትዊተር መግለጺ ብፍላይ ድማ ኤርትራ ነቲ ንስደተኛታት ብሓይሊ ትመልስ ዝብል ክሲ ብዘይማትእ መንገዲ ትነጽጎ ይብል።

ይኹን`ምበር ኤርትራውያን ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ምሉእ መሰሎም ኣለዎም ዝበለ መግለጺ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ኣዋርሕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ካብ ዝባራዕ ንድሓር`ኳ 1ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብዘይስሩዕ መንገዲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም`ዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG