ዋሽንግተን —
ምምሕዳር ትራሞፕ ኣብ መዝገብ እገዳ መገሻ ካብ ዝመዝገበን ሃገራት ብተወሳኺ 7 ካልኦት ሃገራት ንምውሳኽ ውጥን ከምዘሎ ጸብጻብ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።
ትማሊ ኣብ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ዝወጸ ጸብጻብ ኤርትራ ትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣብዚ መዝገብ እገዳ መገሻ ሃገራት ክውሰኻ ውጥን ከምዘሎ ሓቢረን።
እተን ኣብቲ መዝገብ ክውሰኻ ዝተወጠነ ሃገራት ኤርትራ፡ቤላሩስ፡ኪርጊስታን፡ማይነማር፡ናይጀርያ፡ሱዳንን ታንዛንያን ምዃነን መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን ኣለው።