ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ንዝግበር ጽኑዕ ውሳነ ተቓዊመን


ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት
ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ኣብ ዘሕለፎ ድምጺ፡ ኤርትራ ካብተን ሓሙሽተ ዝተቓወማ ሃገራት ኰይና ኣላ። እቲ ውሳነ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬንን ዝዅንን ሩስያ ንእለቱ ሰራዊታ ካብ ዩክሬን ክትስሕብን ዝብል’ዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ድምጺ፡ 141 ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝግበር ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ ዝተቓወማ ሃገራት ግን ሩስያ፡ ቤላሩስ፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ሶርያን ጥራይ’የን። ካብ ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ቻይናን ህንዲን ዝርከበአን 34 ሃገራት ድምጸን ክዕቅባ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ድምጺ ምሃብ’ውን ዘይምስታፋ ተገሊጹ። እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኡዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ኵላቶም ወገናት ካብ ስቓይን ዕንወትን” ተቖጢቦም ናብ “ስምምዕን ሰላማዊ መንገዲን” ከምርሑ ተማሕጺኖም። እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ግን ንወራር ሩስያ ብስሙ ኣይጠቐሱዎን።

XS
SM
MD
LG