ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓልን ንዝሰዓበ ጉድኣት ክትከሓስን ሓቲታ


ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ዝሓቶ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ማዕቀባት ብዘይ ምድንጓይ ውዱቕ ክግበር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝወረደ ጉድኣትን ንዝተኸሰረ ዕድላትን ክከሓስን`ውን`ዩ ክብል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ናይ 20 ዓመታት ጸሊም ምዕራፍ ዝዓጸወ`ዩ ዝበለ ሚንስተር ዑስማን፡ ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ርግኣትን ዘርእዮ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለታት`ውን ተወሳኺ ምስክር`ዩ ኢሉ።

ታሪኻዊ ፍጻመ ንዝበሎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንተሳተፍቲ ብምዝኽኻር መደርኡ ዝጀመረ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ጸልማትን፡ 20 ዓመት ዘቑጸረን ናይ ኩናት ምዕራፍ፡ ነቲ ቀጻሊ ናይ ወጥርን ምፍሕፋሕን እዋን ዘኽተመ`ዩ ክብል ገሊጹ።

እዚ ታሪኻዊ ዓወት-ሽሕ`ኳ 16 ዓመት ዝደንጎየ እንተኾነ- ክልቲአን ሃገራት፡ ጸጋታተን፡ ዓቕምታተን፡ ኣድማዒ ሓይልታተን ኣብ`ቲ ብጣዕሚ ዘድልየን ዕብየት ንኸውዕላ ዘፍቅደለን`ዩ። ድሮ`ኳ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ተስፋን ብሩህ ራእይን ኣስኒቑ`ሎ።

ኣቶ ዑስማን ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ምዕዋት`ቲ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ታሪኻዊ መስርሕ፡ብዝተፈላለየ መንገድታት ኣበርክቶ ዝገበራን፡ ፖለቲካዊ ሰናይ ድልየት ዘርኣያን ብርክት ዝበላ ሃገራት ምስጋናና ንገልጽ ኢሉ።

ድሕሪ`ዚ ናብ`ቲ ኣብ 2009ን 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳታት ዝሓለፈ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብርክት ዝበላ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ማዕቀብ ብቕልጡፍ ክልዓል ይሓታ`ኳ እንተለዋ፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ግን ኣብ ሓደ ዝሰመረ ኣይኮነን ኢሉ። ገለ ሃገራት መስርዕ ኣካይዳን ካልእ ምኽንያታትን ቅድመ-ኹነትን ከናድያ ይርእያ`ለዋ-እዚ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊ እገዳ፡ ናብ ካልእ ኣማእዚንካ ከምዝቕጽል ምግባር`ዩ ዝበለ ሚንስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ንመሰላቱ ደው ምባሉ ክቕጽል`ዩ ኢሉ።

“ኤርትራ ብድልቲ ኣካል ከም ምዃና መጠን፡ ንትሸዓተ ነዋሕቲ ዓመታት ነቲ ብርዑን-ፍትሒ ተሸኪማ ደው ዝበለት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ንምሕረትን ርሕራሐን ክትሓትት ኣይትኽእልን`ያ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ጌጋ ክሳብ ዝእረምን-ንመሰላቶም ደው ምባሎም ክቕጽሉ`ዮም።”

ምኽንያት እገዳታት፡ ሰለስተ ምዃኖምን፡ ንሳቶም ድማ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣሜሪካ፡ ድኽመት ዓቕሚ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ ድማ ንረብሓ ሓያላት ሃገራት ዘገልግሉ መንግስታት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምትእስሳር ዘይብሉ ጉዳያት እናምጻእካ ናይ ሓይሊ ኣገባብ ዝኽተል ኣካይዳ ምንባሩ ይገልጽ።

“ቀንዲ ሃንደስቲ ናይ`ቲ ማዕቀብ፡ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣሜሪካ `ዮም። ግጉይ ኣጀንድኦም ንምስጓም፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ሓይሎም ተጠቒሞም ንሓንቲ ንእሽቶ ሃገርን ህዝብን ክቐጽዑ ደልዮም። ኣብ`ዚ ክዝከር ዘለዎ ነገር፡ ገለ ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝነበሩ፡ ኣብ እዋን ጥርዚ ኩናት ዶብ 1999-2000 `ውን ተመሳሳሊ ማዕቀብ ክጽዕኑ ደልዮም ምንባሮም`ዩ። ንሱ ድማ ምትእስሳር ዘይብሉ መደባት ኣቕሪብካ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሓይሊ ኣገባብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ 2009 ዝተግብረ`ምበኣር ነቲ ናይ ሽዑ ኣጀንዳ ንምትግባር ዝተፈብረኸ ክሲ`ዩ።”

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣተሓሒዙ ንሓይልታት እገዳ ዝበሎም ከም ካልኣይ ክረቁሕ ኸሎ፡ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን፡ ነቲ ብውሕስነት ባይቶ ጸጥታ ዝተፈጸመ ውዕል ስምምዕ ኣልጀርስን ብቕሉዕ እናጠሓሱን፡ በቲ ኣብ ሚያዝያ 13, 2002 ዝተዋህበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቕያድ እናኣበዩን ከለዉ፡ ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘይምውሳዱ`ዩ ኢሉ። ሳልሳይ ረቛሒ ድማ፡ ንኣጀንዳታት ሓያላት ሃገራት ዘሳስዩ መንግስታት `ዮም ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ እቲ እገዳታት ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ`ቲ ዞባ ዘስዓቦ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝለዓለ ምዃኑ ይጠቅስ፡

“ንዝሓለፈ ትሸዓተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀባት፡ ርኡይ ቁጠባዊ ጉድኣት፡ ኣብ ህዝባ ድማ ዘየድሊ ሕሰም ኣስዒቡ`ዩ። ተተሓሒዙ ዝሰዓበ ናይ ምጽላም ወፍሪ፡ ንምስሊ `ታ ሃገር ኣብ ምድዋንን ንዕድላት ኢንቨስትመንት ኣብ ምድኻምን እዚ ዘይብሃል ጉድኣት ኣውሪዱ`ዩ። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ጉድኣት ግን፡ ኣብ`ቲ ዞባ ዘስዓቦ ዘይምርግጋእን፡ ህውከት ክወልድ ምግባሩን`ዩ።”

ሕጂ`ውን ኣብ`ዚ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዝረኸበ ሰላምን ምትሕብባርን ሃገራት`ቲ ዞባ እናሃለወ፡ ገለ ዝተወሰና ሃገራት ነዚ ንጹር ሓቂ ዕሽሽ ኢለን እቲ ማዕቀብ ክቕጽል ምድላየን ዘስደምም`ዩ ዝበለ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ`ቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ን60 ዓመታት ዝገበሮ ነዊሕን ሓያልን ቃልሲ፡ ንኹሉ በደላትን ዘይፍትሓዊ እገዳን ክሰግሮ ኽኢሉ`ሎ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ስለዘየለ፡ይቕረታ/ምሕረት ክሓተሉ ዝድረኾ ምኽንያት የብሉን-እኳ ድኣስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ማዕቀባት ብዘይ ምድንጓይ ውዱቕ ክግበር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝወረደ ጉድኣትን ንዝተኸሰረ ዕድላትን ክከሓስን`ውን`ዩ ዝሓትት ኢሉ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኒው ዮርክ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ዋና -ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ከምዝተራኸብን፡ ብዛዕባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለታት፡ ኣብ`ቲ ዞባ ንዝተረፉ ኣብ ምፍታሕ መንገድታት ኣብ ምርኣይን ከምዝዘተዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ሚንስተር ዑስማን ሳልሕን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኒውዮርክ፡ ምስ ሚንስተራት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጅቡትን ተራኺቡ ምዝታዩ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓልን ንዝሰዓበ ጉድኣት ክትከሓስን ሓቲታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:09 0:00

XS
SM
MD
LG