ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ተሪፉ ዝነበረ መበል 39 ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም ሓውዩ


ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ 39 ሰባት እቲ ተረፉ ዝነበረ ሓደ ሕሙም ምሉእ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ፥ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ተመርሚሩ ምሕዋዩ ምስ ተረጋገጸ ከምዝተፋነወ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እዚ ማለት ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮናቫ ተታሒዞም ዝነበሩ 39 ሰባት ብምልኦም ሓውዮም ማለት'ዩ።

ይኹን'ምበር ይብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፥ እዚ ኣገዳሲ መድረኽ'ዚ ሸለልትነት ከተባብዕ ኣይግባእን።

ምሉእ ገምጋም ተኻይዱ ምሉእ መረጋገጺ ክሳብ ዝቐርብ: ኩሉ ዜጋ ነቲ ብመንግስቲ ዝወጸ መምርሕታት ምምእዛዙ ክቕጽል፡ እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG