ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ተማሃሮ 2ይ ደረጃን ቤ/ትምህርቲ ስነ-ኪነትን ክረምታዊ  ልምዓታዊ ስራሕ ይዋፈሩ


ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ቤ/ትምህርቲ ስነ-ኪነትን፡ኣብ ከባቢኦም ተዋፊሮም ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዝጠቕሙ ዝተፈላላዩ ናይ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ምጽጋን ሰደቓታት ተማሃሮ፡ናይ ድሕነት ጽርግያ ትራፊክን ካልእን ልምዓታዊ ስርሓት ይሰርሑ ከምዘለዉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦ ተማሃሮ ተዛሪቦም።

እቶም ተማሃሮ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ኣብ ከምዚ ድርብ ረብሓ ዘለዎ ሰናይ ስራሕ ምስታፎም ዕግበት ከምዝፈጥረሎምን ተዛሪቦም።እዚ ብምትሕብባር ሚንስትሪ ትምህርቲ፡ሚንስትሪ ሕርሻን ቤ/ጽ ፖሊስ ትራፊክን ዝካየድ ዘሎ መደብ 93 ሚእታዊት ኣብ ምዕቃብ ማይን ሃመድን ዘተኮረ ስራሕ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ማእከል 400 ሽሕ ፈልስታት፡ብደረጃ ሃገር ድማ 1ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ከም መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ ካብ ቤትጽሕፈት ክረምታዊ ወፍሪ ተማሃሮ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG