ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ሓሶት ክስታት ክትብል ምላሽ ሂባ


ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል ብናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝወፀ መባእታዊ ሪፖርት ዘደንቑ ናይ ሓሶት ክስታት እዮም ኢሎም ።

ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ኣብዚ ዘሕዝን ጉዳይ ንኣእምሮ ዝስሕብ ነገር ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዝምሃዙ ወረታት ይለዋወጡ ኣለው ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ነቓዕ ወይ ክፍተት ንምፍጣር እውን ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣል ፋሺቃ ኣትዮም ዝብል ሸረኛ ክስታት ከምዝቐረቡ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣቶ የማነ ነዚ ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2013 ዓ\ም ብዙሕ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ኣካላዊ ጉድአት ከምዝወረደ መርተዖታት ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ።

XS
SM
MD
LG