ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝቐረበ 'ወራር ፈጺሙ' ዝብል ክሲ ትነጽግ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

ኤርትራ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ -‘መንግስቲ ኤርትራ ብግንባር ባድመ ሎሚ ሰሉስ ወራር ፈጺሙ’ ንዝብል ዝተዋሃበ መግለጺ ነጺጋቶ ።

መንግስቲ ኤርትራ: ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ‘እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ውግእ፣ ውሽጣዊ ጉዳይ ስለዝኾነ፣ ኤርትራ ኣካል እቲ ግጭት ኣይኮነትን’ ክትብል እያ ነጺጋቶ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ‘መንግስቲ ኤርትራ ብግንባር ባድመ ሎሚ ሰሉስ ወራር ፈጺሙ’ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ከሲሱ ነይሩ። መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ብሰራዊት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ዝተፈጸመ ወራር፣ ኣብ ንምክተሉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንክልቲኦም ሓይልታት ንምሕጋዝ ኢሉ ብድሕሪት ወጊኡና’ ኢሎም ከሲሶም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG