ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ: ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ተቋሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብከፊል ጀሚሩ


ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ 2020 ተቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት ሎሚ 29 መጋቢት,2021 ብከፊል ጀሚሩ። እቲ ሎሚ ሰኑይ ዝጀመረ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብን ናብን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራን ኣብ ካልኦት ዝተመርጻ ከተማታትን ዓድታትን ዝወሃብ ኣገልግሎት ኮይኑ ብውሱን ዓቕሚ ንፈተነ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

ቤ/ጽ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ንተገልገልቲ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ከምዝሓበሮ ፡ሎሚ ዝጀመረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ መስመራት ንውሽጢ ከተማ ኣስመራን ከባቢ ዓድታትን ዝወሃብ ከምዝኾነ ብምጥቃስ እተን ኣውቶቡሳት ከተማ ፡ኣብ መንጎ ደው ከይበላ ካብን ናብን መበገስን መወዳእታን ፌርማታታት ጥራይ ኣገልግሎት ከምዝህባ ኣፍሊጡ’ሎ።እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብ ንግሆ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 7 ምሽት ከምዝኾነ ዝሓበረ ቤ/ጽ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፡ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽኡ መምርሒታት ኮቪድ-19 ዘየማልአ ተገልጋላይ ኣገልግሎት ከምዘይረክብ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ምስ ዳግማይ ምጅማር ትምህርቲ ተርእዮታት ብዝሒ ብሽክለታታት ኣብ ጎደናታት ክህሉ ስለዝኽእል ሓደጋታት ንምውጋድ ኩሉ ሕግታት ትራፊክ ብምልኣት ክትግበርን ቁጽጽር ክግበረሉን ኣተሓሳሲቡ’ዩ። ተማሃሮ፡መማህራን፡ወለድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽኡ መምርሒታትን ቅጥዕታትን ንምክልኻል ኮቪድ-19 ብዕቱብን ብጥብቅን ክከታተልዎምን ከተግብርዎምን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG