ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ-ብምኽንያት ዓለምለኸ ቅነ ጸረ-ባክተርያ ጎስጓስ ተኻይዱ


ኣብ ኤርትራ ፡ብምኽንያት ዓለምለኸ ቅነ ጸረ-ባክተርያ ፡ብምትሕብባር ሚንስትሪ ጥዕና፡ ሚንስትሪሕርሻን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን፡ “መድሃኒት ጸረ-ባክተሪያ ብግቡእ ንጠቐመሎም” ብዝብል መሪሕ ቴማ ፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕብረተሰብ ንምዕባይ ካብ 12-18 ሕዳር ብደረጃ ሃገር ጽዑቕ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ከምዝተኻየደ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ሃገራዊ ቁጽጽር መግብን መድሃኒትን ኣቶ እያሱ ባህታን ኣብ ሚኒንስትሪ ሕርሻ ኣብ ትሕቲ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን ሓላፊ ጨንፈር ጥዕና እንስሳን ቡቕልን ኣቶ ኣፈወርቂ ምሕረትኣብን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ንሶም ሓሙሽተ ዕላማታት ዝሓዘ ሃገራዊ ውጥን ጸረ-ባክተርያ ሰነድ ተዳልዩ ከምዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን ወሲኾም ኣረዲኦም።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ጆሰፊን ናምቦዚ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ`ውን፡ መዓልቱ ዝወደቐ መድሃኒት ብዛዕባ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣስሚራትሉ ኔራ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ-ብምኽንያት ዓለምለኸ ቅነ ጸረ-ባክተርያ ጎስጓስ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:32 0:00


XS
SM
MD
LG